BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ

ዜናታት

ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።

ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።

ከይሓልፈኩም

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ

ትንታነ

  • ብ1950፡ ኣብ ቤልግሬድ ዝተኸብረ መይ-ደይ

    ኣህጉራዊ መዓልቲ ሸቃሎ ስለምንታይ ሓደ ግንቦት ይዝከር?

    ብዙሓት ሃገራት፡ ‘መይ-ደይ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሸቃሎ የኽብራ እየን። በዚ መሰረት፡ ወትሩ ሓደ ግንቦት ድማ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ዘካየድዎ ታሪኻዊ ቃልስን ዝተረኽበ መኽሰብን ንምዝካር ይደልያ።

  • ጆን ፎስተር ዳላስ - ሱዛን ራይስ - ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

    ካብ ጆን ፎስተር ዳላስ ክሳዕ ማሳድ ቡሎስ፡ ዝተሓላለኸ ምዕራፋት ዝምድና ኣስመራን ዋሽንግተንን

    ካብ ታሪኻዊ መደረ ፎስተር ዳላስን እገዳ ዓሰርተታት ዓመታትን ዝነቅል ዝሑል ዝምድና ኣስመራን ዋሽንግተንን፡ ሕጂ ብሳላ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይስጕም ኣሎ። እዚ ብምምሕዳር ትራምፕ ዝተጀመረ ናይ ለውጢ ንፋስ፡ ንዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ዕጽዋ ሰይሩ ሓድሽ ተስፋ የቃልሕ ኣሎ። እቲ ሕቶ ግን፡ እዚ ሓድሽ ጽምዶ ንመጻኢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ክጸልዎ እዩ?

  • ማሳድ ፋረስ ቡሎስ ምስ ዑስማን ሳልሕ ሰላምታ ኢድ እናተለዋወጡ

    ኣብ ዛዕባ ምሕዳስ ዝምድና ኤርትራ-ኣመሪካ እንታይ ይበሃል ኣሎ?

    ገለ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ነበር፡ ንመዝገብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ኵነታት መንግስቲ ኤርትራን ብምልዓል፡ ነቲ ውሳነ ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ እቲ ውሳነ ቅኑዕ ምዃኑ፡ እቲ ኻልእ ብዛዕባ ኤርትራ ዝለዓል ዘሎ ጉዳያት ካልኣዊ ወይ ከም ውሽጣዊ ጉዳይ ሸለል ዝብሉ ኣለዉ።

  • ብኣዘዝቱን ወተሃደራቱን ተዓጂቡ ናይ ኢድ ሰላምታ ዝህብ በትሪ ዝሓዘ ጀነራል ኣልቡርሃን

    ካብ ካርቱም ክሳብ መቐለ፡ ሓደ ሃገር ብዙሓት ሓይልታት

    ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ምብዛሕ ዕጡቓትን ምፍራስ ትካላትን፡ ንሰላምን ህላወን ሃገራት ዓቢ ስግኣት ኰይኑ ኣሎ። እዚ ካብ ሱዳን ክሳብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ደቡብ ሱዳን ክሳብ ሶማልያ ዝዝርጋሕ ግጭታት፡ ንዘተ ብብረት ብምትካእ ንሃገራት ናብ ዘይውዳእ ዕንወት እናመርሐን ይርከብ።

  • መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ብ4 ጥሪ ኣብ ፒዮንግያንግ ዝተኻየደ ልምምድ ምውንጫፍ ሚሳይል እናተዓዘበ

    ኒዩክሌር ዘለወን ሃገራት በዓል መን'የን፤ ብኸመይ ከ ወኒነንኦ?

    ሓላፊ ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ ብረቡዕ ኣብ ሴኡል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዮንግብዮን ኣብ ዝርከብ ህንጻር ኒዩክሌር፡ ሰሜን ኮርያ "ቅልጡፍ ወሰኽ" ምንቅስቓስ ኒዩክሌር ከም ዝተራእየ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ዓቕሚ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር "ኣዝዩ ከቢድ ወሰኽ" ክብል ዝገለጾ ኣመልኪቱ።

  • ሓደ ሰብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ጥቓ ሓንቲ ኤክስካባተር እናሰጐመ፣ ብኽልተ ወገን ናይቲ ዝተዀመረ ኣእማን ማይ ኣሎ። መርከብ ድማ ብድሕሪት ትርአ።

    ካብ ሆርሙዝ ናብ ማላካ፡ እቲ ሓድሽ ጂኦ-ፖለቲካዊ ወጥሪ

    ኣብቲ ንዓለምና ወሳኒ መስመር ማይ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝካየድ ዘሎ ዕጽዋ ከይኣክል፡ "መትኒ" ንግዲ ዓለም ዝዀነ ካልእ መስመር መጓዕዝያ ባሕሪ ቈላሕታ ክረክብ ጀሚሩ ኣሎ። ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ኢንዶነዥያ ወተሃደራዊ በረራታት ንምክያድ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ዝርከብ መጻብቦ ማላካ ዓለምለኻዊ ቈላሕታ ክረክብ ገይሩዎ ይርከብ።

  • ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ

    'ዓለም በቶም ቢልዮናት ኣብ ኲናት ዘጥፍኡ ውሑዳት መለኽቲ'ያ ትበርስ ዘላ' - ኣቡነ ሊዮ

    እቲ ኣብ ዝሓለፉ 48 ሰዓታት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ዝሰነዘሮ መጥቃዕትን ንርእሱ ከም ክርስቶስ ኣምሲሉ ብኺነታዊ-ብልሒ (AI) ዝተሰርሐ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዝርጋሑን ዝፈጠሮ ተቓውሞ ፍሉይ እዩ።

  • ሓንቲ ኢራናዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ቴህራን ታክሲ ኣብ ዝመልአኦ ጐደና እናሰጐመት፡ ዓቢ ፖስተር ብድሕሪኣ ይርአ።

    ኣብ መንጎ ስግኣት ኲናትን ተስፋ ዲፕሎማስን ዝተቐርቀሩ ኢራናውያን

    ድሕሪ እቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝተቐተልሉ ተቓውሞን ገና ዘይተዛዘመ ዘሎ ግዳማዊ ኲናትን፡ ሓያሎ ኢራናውያን፡ "እዚ ስምምዕ'ዚ መወዳእታ እቲ ሕማቕ እገዳን ናይ ለውጢ መጀመርታንዶ ይኸውን?" እናበሉ ብሃረርታን ስግኣትን ይሓቱ ኣለዉ።

  • መርከብ

    'ሓደገኛ ጠላዕ' ትራምፕ

    ገለ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብፕረዚደንት ትራምፕ ከቕርቦም ዝጸንሐ ኣማራጺታት - ምሓዝ ደሴት ኻርግ ወይ ወተሃደራዊ ስርሒት ብምግባር ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንዝሓልፋ መራኽብ ምዕጃብ - ሓደገኛን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ክኸውን ከም ዝኽእል ከዛርብ ጸኒሑ እዩ። ሰራዊት ኣመሪካ ካብን ናብን ወሽመጥ ፋርስ ዝኣትዋን ዝወጻን መራኽብ ክዓግት ከም ዝኽእል ዓቕሚ ከም ዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ሕቶ ዝኸን ግን፡ "ንምንታይ ዕላማ?" ዝብል እዩ።

  • ምክትል ፕረዚደንት ቫንስ ተለፎን ሒዙ ዘርኢ ስእሊ

    ድሕሪ ምቍራጽ ዘተ ኢራን-ኣመሪካ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ፡ 'ዝስዕብ እንታይ እዩ?'

    ኣብ ስምምዕ ምእንቲ ክበጽሑ፡ ነቲ ዝጸንሖም ዓሚቝ ናይ ዘይምትእምማን ጋግ ምስጋር የድልዮም ነይሩ። ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ርክቦም፡ ክልተኦም ወገናት ክራኸቡ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ሓደ ክፍሊ ተኣኪቦም ክዛተዩ ይኽእሉ እንተዀይኖም ርግጸኛ ንምዃን ይከኣል ኣይነበረን።

  • ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ቀዳማይ ምኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍን

    ፓኪስታን፡ ብኸመይ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክገብራ ክትሽምግል ክኢላ?

    ብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሐ ምቍራጽ ተዅሲ ቅድሚ ምእዋጁ ኣብ ዝነበራ ሒደት ሰዓታት፡ ኣብ ፓኪስታን ባና ተስፋ ተራእዩ። ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ፓኪስታናዊ ምንጪ፡ ሃገሩ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን እትገብሮ ዝነበረት ናይ ሽምግልና ዕማም "ብቕልጡፍ ናህሪ" ትቕጽሎ ከም ዘላ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

  • ጃይዲ ቫንስ፤ ብድሕሪኡ ድማ ትራምፕ

    ትራምፕ ንጀይዲ ቫንስ ስለምንታይ እቲ ዝኸበደ ተልእኾ ኣረኪብዎ?

    ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ቫንስ ናብ ኢስላማባድ ፖለቲካዊ ዓውደ-ነተጕቲ እዩ። ኣብዚ ንምዕዋት ወይ ምዕባለ ንምምዝጋብ ድማ ድሕሪ'ቲ ንማእከላይ ምብራቕ ዘቈራቘሰን ንዓለማዊ ቍጠባ ዘናወጸን ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ኣብ ፍጹም ዘይተኣማመኑ ሓያሎ መዳርግቲ ኣካላት ከዕግብ ክግደድ እዩ።

ኣዘራረብቲ ዛዕባታት

ሳይንስን ጥዕናን

መዛነዪ

ዝያዳ ዝተነበ

  1. 10
    ገዚፍ ጡብ ምህላው፡ ንጥዕናኽን ሳዕቤን ኣለዎ ድዩ?